Terug naar huis, dankzij vrijwillige terugkeer.

Fedasil organiseert en betaalt uw terugreis. En we bekijken samen met u of we u nog extra steun kunnen geven.

  1. ወለንታዊ ምምላስ እንታይ እዩ?

    እዚ ናብ መበቆል ሀገርኩም ምምላስ እዩ፡፡ ናይ ምምላስ ውሳነ እትውስንዎ ድማ ንስኹም ዓርስኹም ኢኹም፡፡ እዚ እትገብርዎ ጉዕዞ ድማ ከም ኩሉ ተጉዓዚ እዩ፡፡ ክሳዕ ኣብኡ ትበፅሑ እቶም ሰበስልጣን ኣይሕበረሎምን፡፡ ኩሉ ግዘ ንዘይምኻድ ክትውስኑ ነፃ ኢኹም፡፡

  2. ንወለንታዊ ምምላስ ብኸመይ ከመልክት እኽእል?

    ኣብ ቤልጁም ካብ ዝርከቡ ናይ ምምላስ ሰደቓታት ወይ ትካላት ሓደ ርኸቡ፡ ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛኹም ተዘራረቡ ወይ ድማ ብናይ ናጻ ክፍሊት ቁጽሪ 0800 327 45 ደውሉ።

  3. ንምምላሰይ መን የወሃህዶ?

    Fedasil (ፌደራላዊ ኤጀንሲ ምቕባል ሓተቲ ዑቕባ) ናይ ወለንታዊ ምምላስ መደብ ሓላፍነት ይወስድ። Fedasil ወይ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ናይ ምምላስኩም ናይ ነፋሪት በረራ ወይ ናይ ኣውቶቡስ ጉዕዞ የወሃህዱ። ድሕሪ ምምጻእኩም IOM ከምኡ እውን Caritas International (ዓለምለኻዊ ትካል መግብን ረድኤትን) ሓገዝ ይገብሩልኩም።

  4. ክኸፍል ኣለኒ?

    ኣይፋል፣ ክትከፍሉ የብልኩምን፡ ንናይ ኣየር ወይ ኣውቶቡስ ትኬትን ናብ ናይ መዕርፎ ነፈርቲ ወይ ኣውቶቡስ ንእትገብርዎ መጓዓዝያ ፈዲሰል ይኸፍል፡፡ ናይ ጉዕዞ መረዳእታኹም ካብቲ ኮንፅላ ክትእክቡን ንዚ ድማ ክትኸዱ ከለኹም እቲ ክፍሊት ትረኽብዎ ኢኹም፡፡

  5. ክንደይ ሻንጣ ክወስድ ይኽእል?

    ናይ መንገዲ አየር ወይ ኣውቶቡስ ናይ ሻንጣ ደረት ክተኽብሩ ይግባእ፡ ሓደ ሰብ ዝፍቀደሉ ቁፅሪ ሻንጣ ወይ ክብደት ክትሓልፉ የብልኩምን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዓርስኹም ክትዓግቱ ይግባእ!

  6. ኣብ እዋን ምምላሰይ ይሕገዝ ድየ?

    እወ፡ ካብ ቤልጁም ክትወጹ ከለኹም ሰራሕተኛ ናይ IOM ወይ Fedasil ናይ ነፋሪት ትኬትኩምን ምናልባት እውን ኣበል ክትህበኩም/ክህበኩም እዩ/እያ። እቲ/እታ ሰራሕተኛ ክሳብ ምቁጽጻር ዶብ ከተሰንየኩም/ከሰንየኩም እያ/እዩ። እቲ/እታ ሰራሕተኛ IOM ወይ Fedasil ብቐሊሉ ምእንቲ ክትረኽበኩም/ክረኽበኩም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትወስድዎ ዘለኩም ፍሉጥ ቦርሳ ክትወሃቡ ኢኹም። እንተደሊኹም ከምኡ እውን እንተተኻኢሉ ድማ ሰራሕተኛ IOM ወይ Caritas ኣብ መበቆል ሃገርኩም ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጽበየኩም እዩ።

  7. ኣብ ሃገረይ ሂወት ቀሊል ኣይኮነን፡ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክተቕርቡለይ ትኽእሉ?

    ኣብ ሀገርኩም ምስ ዝርከቡ ከባብያዊ መሓዙትና ኣብ ዳግመ ምትሕውዋስ ክሕግዝኹም ብሓባር ንሰርሕ፡፡ እዚ ድማ ናይ ዓርስኹም ንግዲ ምጥያሽ፣ ናይ ሕክምና ወፃኢታት ምሽፋን፣ ስራሕ ክትረኽቡ ምሕጋዝ ከካትት ይኽእል፡፡ እዚ ሓገዝ ንኹሉ ሰብ ዝፍቀድ ኣይኮነን ሕድሕድ ኩነታት ዝተፈላለ እዩ፡፡ ብኽብረትኩም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረኽቡ ከም እትኽእሉ ንምፍላጥ ንመራኸቢኹም ሕተቱ፡፡ ብተወሳኺ ናይ መምለሲ ኣለዋንስ ብኣጠቓላሊ ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማሩ ይወሃብ፡፡